የሐውዜን ስብሰባ በድል
ተጠናቀቀ
የሐውዜን ልማት ማህበር
ስብሰባ በድል ተጠናቀቀ።
የሐውዜን የከተማነት ጉዳይ
ትኩረት እንደሚያስፈልገውና ማህበሩ
ጥያቄው ተገቢ መልስ
እስኪያገኝ ድረስ እንደሚቀጥልበት
አስረግጧል። ማህበሩ በሐውዜን
የሚያጋጥሙ ችግሮች እያነሳ
መፍትሔ እንደሚያፈላልግ ቃል
ገብቷል።
የሓውዜን የከተማነት ጉዳይ
እንዳይነሳ ለማድረግ በግለሰቦች
ከተነሳም ስብሰባው ለመረበሽ
በህወሓቶች የተያዘ ዕቅድ
ከሽፏል። ምክንያቱም ጉዳዩ
ቀድሞ ከመድረክ
በአቅራቢዎቹ ተነስቷል። የማህበሩ
አባላት የሆኑ ግለሰቦች
ወደ ስብሰባው
እንዳይገቡ ለማድረግ የተያዘው
ዕቅድም አልተሳካም። ሁሉም
በሰላም ገብቶ በሰላም
ተጠናቋል።
የተገኘው ህዝብ አደራሹ
ከሚይዘው በላይ ስለነበር
ብዙ ሰዎች
ቁመው እንዲሳተፉ
ሁነዋል። በስብሰባው የማህበሩ
ያለፈው የስራ አፈፃፀም
ሪፖርት ቀርቦ የተወያየበት
ሲሆን በመጨረሻም
የማህበሩ አዳዲስ የቦርድ
አባላት ተመርጧል። የሐውዜን
ወረዳ ፀጋዎችና
ፈተናዎችም በዝርዝር ቀርቧል፤
ዉይይትም ተደርጓል።
It
is so!!!
ህወሓት የሐውዜን ማህበር
ስብሰባ ለመረበሽ አቀደ
የህወሓት ባለስልጣናት የነገው
የሐውዜን ልማት ማህበር
ስብሰባ ሊያደናቅፉ እንደሚችሉ
መረጃ ደረሰኝ።
የልማት ማህበሩ ስብሰባ
የዓረናዎች ነው በሚል
ምክንያት ቅጥረኛ ካድሬዎች
መልምለው በማስገባት የስብሰባው
አጀንዳ ለማስቀየር ይሞክራሉ።
ካልተሳካ ደግሞ ስብሰባው
ለመረበሽ ተዘጋጅተዋል።
የተመለመሉት ቅጥረኛ ካድሬዎች
የሐውዜን ተወላጆችና ወዳጆች
ባንገብጋቢው የሓውዜን የከተማነት
ጉዳይ እንዳይወያዩ
ተፅዕኖ ይፈጥራሉ። የተሰብሳቢው
ስሜት ካላማራቸው
ሆን ብለው
ረብሻ በመፍጠር
ፖሊስ እንዲገባና
ስብሰባው እንዲቋረጥ እንዲያደርጉ
መመርያ ተሰጥቷቸዋል።
እኔ ግን
እላለሁ። ስብሰባው የማህበር
ነው። ጉዳዩም
ልማታዊ ነው። የፖለቲካ
ስብሰባ አይደለም። ስብሰባው
የህወሓት ወይ የዓረና
አይደለም። ማንም የዓረና
ወይ የህወሓት
አባል ግን
በስብሰባው የመሳተፍ ሙሉ
መብት አለው።
የማህበሩ መሪዎች በማስፈራራትና
የስብሰባው አጀንዳ በማስቀየር
የከተማው የአስተዳደር ችግር
መፍታት አይቻልም። ፖሊስ
ፀጥታ ለማስከበር
እንጂ ለመረበሽ
መተባበር የለበትም። ህወሓቶች
ትብብራችንና ተነሳሽነታችን ስላላማራቸው
ብቻ እንደፈለጉ
ሊረብሹን አይገባም። በነገው
ስብሰባ ከረበሹን ሌላ
ተጨማሪ በደል አደረሱብን
ማለት ነው።
ህወሓት የተጣላው ከዓረና
ሳይሆን ከህዝብ ጋር
ነው። የህዝብ
ስብሰባው ከረበሹት ለሐውዜን
ህዝብ ያላቸው
ንቀት እያረጋገጡልን
ነው ማለት
ነው። እኛም
ማንነታችን እናሳያቸዋለን።
የነገው ዉሎ እዘግብላቸዋለሁ።
አሜን።
It
is so!!!
ሙስና ያጋለጠ
የህወሓት አባል ተባረረ
በትግራይ እንደርታ ወረዳ
ነው። የህወሓት
አባላት የሆኑ የወረዳው
አስተዳዳሪዎች (የዞኑ ሓላፊ
ባለበት) እርስበርሳቸው እየተገማገሙ
ሳለ አንድ
አባል የወረዳው
አስተዳዳሪ የ10 ሺ
ብር ሙስና
ከህዝብ መቀበሉ ያጋልጣል።
የህወሓት ባለስልጣናትም እርስበርስ
ተነጋግረውና ተባብረው የ10
ሺ ብር
ሙስና ያጋለጠ
አባል እንዲባረር
ወሰኑ። ተባረረ። አዎ!
አብዛኛው አባል በሙስና
ከተጨማለቀ የቅጣት ሰለባ
የሚሆን ሙስና ያልሰራ
ሰው ነው።
ህወሓቶች ሙስና ያጋለጠ
አባል ከአባልነት
በማባረር ድርጅቱ የሙስና
ካምፕ ለማድረግ
ያሰቡ ይመስላል።
መቼም ሙስና
የሚያጋልጡ ሰዎች በማራቅ
ሙስናን ማንገስ እንጂ
መታገል የሚቻል አይመስለኝም።
ለነገሩ ህወሓቶች ሙስናን
ላለመጋለጥ ተስማምተው የለ።
ሙሰኛ መቅጣት
ከተጀመረ ማን ማንን
ሊቀጣ? አስቸጋሪ
ነው። ሙሰኛ
ለሙሰኛ እንዴት መቅጣት
ይቻለዋል? እንደውም ሙሰኞች
ተሰባስበው ሙሰኛ ላልሆነ
አባል መቅጣት
ይቀላቸዋል። እንዲህም እያደረጉ
ነው።
ሙሰኛ ስርዓት
ሙስናን መቃወም አይችልም።
ምክንያቱም ሙስና ለማጥፋት
ሙሰኞች ማጥፋት ግድ
ይላል። ለገዢዎች ራስ
ማጥፋት ከባድ ነው።
It
is so!!!
ለህወሓት ደጋፊዎች
በኔ ላይ
ለምት ሰጡት
አስተያየት ክብር አለኝ።
አስተያየታችሁን የማከብርበት ምክንያት
ግን አስተሳሰባችሁን
ስለምጋራ ላይሆን ይችላል፤
የፈለጋችሁትን የማድረግ ወይ
የመናገር መብታችሁ ለማክበርም
ጭምር ነው።
የተለያየ ሐሳብ ማራመድ
በራሱ ችግር
አይደለም።
It
is so!!!
ማሕበር ልምዓት ሓውዜን
(መልእኽቲ ንደቂ ሓውዜን)
ህይወት ናይ ምንባር
ጉዕዞ እዩ።
ንምንባር ክንበልዕ አለና።
ንክንበልዕ ሃፍቲ ክነካዕብት
ይግባእ። ሃፍቲ ንምክዕባት
ናይ ኢኮኖሚ
ዕብየት ምምዝጋብ ግድን
እዩ። ናይ
ኢኮኖሚ ዕብየት ንምምዝጋብ
ስራሕ ምስራሕ
ወሳኒ ግደ
አለዎ። ስራሕ ምስራሕ
ንመን ዝተውሃበ
ዕዮ እዩ?
አብ ሓደ
ዓዲ ህዝቢ
ተዓንጊሉ ንክነብር ኢኮኖሚያዊ
ለውጢ ከምፅእ
ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም
አካላት መንግስቲ ሓደ
እዩ። መንግስቲ
ህዝባዊ ሓላፍነት ተሸኪሙ
ፕላን የውፅእ፣
ብመሓውሩ አቢሉ ግብሪ
ይእክብ፣ ስልጣኑ ተጠቂሙ
በጀት ይምድብ፣
ህዝቢ አለዓዒሉን
አተሓባቢሩን እቲ ዝድለ
ለውጢ ንክመፅእ
ፖሊሲታቱ አብ ተግባር
የውዕል። መንግስቲ ስራሕቱ
ብዝግባእ ንምፍፃም ሰናይ
ምምሕዳር ከስፍን አለዎ።
ሰናይ ምምሕዳር
ዘይዓሰሎ አፈፃፅማ እወንታዊ
ውፅኢት ክህልዎ አይኽእልንሞ።
ደቂ ሰባት
ንኽነብሩ ይበልዑ እምበር
ንኽበልዑ አይነብሩን። ስለዚ
ምግቢ ወይ
ናይ ኢኮኖሚ
ዕብየት አድላዪ እምበር
ብባዕሉ እኹል አይኮነን።
ሰባት ኢኮኖሚያዊ
ዕብየት ጥራሕ ዘይኮነስ
ኢኮኖሚያዊ ልምዓት እውን
የድልዮም እዩ። ልምዓት
ካብ ዘጠቃልሎም
ጉዳያት ገሊኦም ዕብየት፣
ፍትሒ፣ ነፃነት፣ ማዕርነትን
ዴሞክራሲን ይጥቀሱ። ልምዓት
መሰል ደቂ
ሰባት እዩ።
መንግስቲ ልምዓት ናይ
ምርግጋፅ ግዴታ እንተሃለዎኳ
ኩሉም ባእታታት
ልምዓት ብሓደ ወገን
ዘይክሽፈኑ ይኽእሉ እዮም።
መንግስቲ ክዓሞም ዘይከኣለ
ዓውድታት ልምዓት ህዝቢ
ብማሕበር ተወዲቡ ንክነጥፍ
ብምትብባዕ ድኽመታት መንግስቲ
ክሽፍን ይግበር። ምክንያቱ
መንግስቲ አብ ኩሎም
መደያት ልምዓት ውፅኢታዊ
ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።
ማሕበር ልምዓት ሓውዜን
እውን አብ
ወረዳና ዘለው ግድፈታት
ልምዓት ንምምላእ ዓሊሙ
ብግዱሳት ተወለድቲ ሓውዜን
ዝተጣየሸ መንግስታዊ ዘይኮነ
ሕጋዊ ናይ
ልምዓት ማሕበር እዩ።
እዚ ማሕበር
እዚ ብዙሓት
ናይ ልምዓት
ፕሮጀክትታት ንምዕዋት ተሊሙ
ምስ ምምሕዳር
እቲ ወረዳ
ብምትሕብባር ህዝቢ ወረዳ
ሓውዜን ንምሕጋዝ ምድላዋቱ
ዛዚሙ ይርከብ።
ዕላማና ህዝቢ ብምንቃሕ
መሰሉን ግቡኡን ንክፈልጥን
ንከተግብርን ምግባር፣ ብምልዕዓል
ኣብ ልምዓት
ወሳኒ ተራ
ንክፃወት ብምግባር አብ
ወረዳና ዘስፋሕፍሑ ማሕበራዊ
ፀገማት ምቅላልን እጃምና
ብሓምር ብምፅዋት ህዝቢ
አብ ልምዓት
ተሳታፋይን ተጠቃምን ዝኾነሉ
ባይታ ምምችቻው
እዩ።
ማሕበርና መንግስታዊ ዘይኮነ
ናይ ልምዓት
ማሕበር ከም ምዃኑ
መጠን አብ
ልምዓታዊ ምንቅስቃሳት ንክዋፈር
ምምሕዳራዊ ጥጡሕ ባይታ
የድልዮ። ምኽንያቱ እዚ
ማሕበር እዚ ናይ
ህዝቢ ማሕበር
እዩ፤ ናይ
ልምዓት ማሕበር እዩ።
ህዝቢ ተወዲቡ
ብምንጣፍ ልምዓት ንከምፅእ
ሰናይ ምምሕዳር
ምስፋን ቅድመ ኩነት
እዩ። ሰናይ
ምምሕዳር እንተዘይሃልዩ ህዝቢ
ከም ልቡ
አብ መዳያት
ልምዓት ክዓምም አይኽእልን።
ህዝቢ አብ
ልምዓት ንክሳተፍ ምስ
አማሓደርቱ ኢድን ጓንትን
ኮይኑ ክሰርሕ
ይግባእ።
ማሕበር ልምዓት ሓውዜን
ቅድሚ አብ
ናብ ልምዓት
ዋኒኑ ምእታው
አብ ወረዳና
ዘሎ ስእነት
ሰናይ ምምሕዳር
ነቲ ዝዓለሞ
ምንቅስቃስ ልምዓት ብአሉታዊ
መልክዑ ስለ ዝሃስዮ
መጀመርያ ሕቶ ሰናይ
ምምሕዳር ክምለስ ከም
ዘለዎ ተገንዚቡ
እቲ አብ
ከተማና ዓሲሉ ዘሎ
ውጥረት ንምፍታሽ ቆሪፁ
ተላዒሎ አሎ። ምክንያቱ
እቲ ነጊሱ
ዘሎ ፖለቲካዊ፣
ምምሕዳራዊ ሃዋህው ብቀጥታ
ናብ ልምዓት
ተግባራት ንምእታው ሸውሃት
ዝኸፍት አይኮነን። ህዝቢ
ወረዳ ሓውዜን
አብ ዘይተረጋገዐሉ
ግዜ ናብ
ልምዓት ንክ ወፍር
ምጉስጓስ ስለ ዘይተርኣየና
እዩ።
ማሕበርና እቶም አብ
ወረዳ ሓውዜን
ዝፍፀሙ ዘለው ምምሕዳራዊ
ፀገማት መሰረቶም ህዝባዊ
ዓቅሚ ዘይምዕባይ፣
ዘይምውዳብ፣ ዘይምሕባር፣ መሰልን
ግቡእን ዘይምፍላጥን ተምበርኻኻይነት
ባህሪ ምምዕባልን
ምዃኖም ይግንዘብ። አብ
ሓውዜን ብዙሓት ህዝባዊ፣
ልምዓታዊ በደላት በፂሖም።
አብ እዋን
ደርጊ ህዝብና
ተጨፍጪፉ፤ አብ እዋን
ደስበለ ተጨቊኑ። አብ
ሓውዜን ደረጅኡ ዝሓለው
ሆስፒታል ንክሰራሕ ተወሲኑ፤
እምነ ኩርናዕ
ተቐሚቱ። ሰኣን አያ
ግን ምክንያቱ
ብዘይተፈለጠ እንተይተሰርሐ ተሪፉ።
አስፋልት ፅርግያ ክስራሕ
ተባሂሉ፤ ሐዚ እውን
ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ፀፀር
መንገዲ ኾይኑ። ሰኣን
ኣያ፤ ሰኣን
ምውዳብ፣ ሰኣን ምሕባር።
ሐዚ እውን
እንተኾነ እታ ጥንታዊነት
ከተማና ፍትሒ ብዝጎደሎ
ውሳነ ደረጃ
ከተማነት ከይትረክብ ተዓምፂላ።
ሓውዜን ካብ አክሱም
ቀፂላ ጥንታዊነት
ከተማ እያ።
ኾይኑ ግን
ብግዕዙይ ምሕደራ ምኽንያት
ክንድትዝግበኣ አይዓበየትን። ጉዳይ
ሓውዜን ዝለዓል ንፖለቲካዊ
መኽሰብ ክበሃል ጥራሕ
እዩ።
ሎሚ ግን
ኩሉ ተቀይሩ
አሎ። ህዝቢ
ወረዳ ሓውዜን
አብ ውሳነ
ደረጃ ከተምኡ
ሕቶ አልዒሉ
አሎ። ሕጋዊን
ተቀባልነት ዘለዎን ሕቶ
እዩ።
ብመሰረት ውሳነ እቲ
ምምሕዳር ሓውዜን ደረጃ
ከተማነት ዝተኸልአት አስፋልት
ፅርግያ ስለዘይብላ እዩ።
አስፋልት ምህላውን ዘምህላውን
ግን አብ
ደረጃ ከተማነት
ከም መስፈሪ
አይውሰድን። አስፋልት መንገዲ
እናተገበኣ ክሳብ ሐዚ
ዘይምርካባ እውን እኮ
ናይቲ ምምሕዳር
ሽግር እምበር
ናይ ህዝቢ
ጥፍ ኣት
አይኮነን። ስለዚ አስፋልት
መንገዲ ዝምልከት መልሲ
ተቀባልነት የብሉን።
እቲ ዝተውሃበ
ካልአዋይ መልሲ ‘እተን
ተሓርየን ዘለዋ ከተማታት
ሳምፕል (Sample) እየን’ ዝብል
እዩ። ሳምፕል
እንታይ ማለት እዩ?
ሳምፕል እኮ ዝውሰድ
ካብ መንጎ
ማዕረ አካላት
እምበር አብ ዘይመጣጠኑ
መደባት አይስረሐሉን። ሳምፕል
ናይ ባዕሉ
ሳይንሳዊ መንገዲ ዘለዎ
እዩ። አብቲ
ሳምፕልስ እንተኾነ ሓውዜን
ዘይትኣትወሉ ምኽንያት እንታይ
እዩ?
እቲ ሳልሳይ
ሓሳብ ‘እተን
ዝተመረፃ ከተማታት ፍሉይ
በጀት አይምደበለንን’
ዝብል እዩ።
ናይ ከተማነት
ደረጃ ምሓዝ
ጥቅሚ ገንዘባዊ
በጀት ምርካብ
ጥራሕ አይኮነን።
ብዙሓት መዋቅራዊ ጥቅምታት
እውን አለው።
ብስሩኸ እተን ካልኦት
ዝተመረፃ ከተማታት ፍሉይ
በጀት ዘይግበረለን
እንተኾይኑ ሓውዜን ምሳአተን
እንተተመደበት እንታይ ሽግር
አለዎ? (መንግስቲ
ተወሳኺ በጀት ዘይምድብ
እንተኾይኑ)። ብስሩ
እውን ሕቶና
‘ንምንታይ ካልኦት ከተማታት
ተሓርየን?’ አይኮነን። ኩለን
ከተማታት ፍትሓዊ ብዝኾነ
ማዕርነት ክዓብያ ግቡእ
እዩ። ስለዚ
ጉዳይና ‘ካልኦት ንምንታይ
ዓበያ?’ ዘይኮነስ
‘ሓውዜን ንምንታይ ንከይትዓቢ
ፀቅጢ ተገይሩ?’
ዝብል እዩ።
እቲ ራብዓይ
መልሲ ሓውዜን
ደረጃ ከተማነት
ዝተኸልከለት ‘ብፖለቲካዊ ወይ
ውድባዊ ውሳነ’ ምዃኑ
እዩ። ፖለቲካዊ
ወይ ውድባዊ
ውሳነ እንታይ
እዩ? ንምንታይ
አድለየ? ሓውዜን ንህወሓት
እንታይ በዲላ ? ህወሓት
ሓውዜን ንዘይምዕባይ ዝወሰነሉ
ምኽንያት እንታይ እዩ?
ሓውዜን እኮ አብ
ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ
ከቢድ መስዋእቲ
ካብ ዝኸፈሉ
ከተማታት ሓንቲ እያ።
እዚ ውድባዊ
ውሳነ እውን
ተቀባልነት የብሉን።
ስለዚ ሕቶ
ከተማ ህዝቢ
ሓውዜን ትኽክለኛን ሕጋዊን
ናይ ልምዓት
ሕቶ እዩ።
ማሕበር ልምዓት ሓውዜን
እውን ነዚ
ናይ ህዝቢ
ሕቶ ይድግፍን
ንተግባራዊነቱ ይነጥፍን። ስዒቦም
ንዝመፁ ምምሕዳራዊ በደላት
ንምምካት አብ ጎኒ
ህዝቡ ኮይኑ
ንምቅላስ ድልው ምዃኑ
የፍልጥ።
ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን
ነቲ ሕጋዊ
ናይ ልምዓት
ሕቶ ንምድብስባስን
ንምጭፍላቅን ዝተፈላለዩ ሻጥራት
አብ ምፍብራኽ
ተፀሚዱ ከም ዘሎ
ይፍለጥ። ካብዚኣቶም ሕቶ
ንዘልዕሉ ተወለድቲ ‘ፀላእቲ’
ዝብል ሽም
ብምልጣፍ ካብ ህዝቢ
ንክንፀሉ ምፅዓር፣ ብዝተፈላለየ
መንገዲ ብጥቅሚ ብምድላል
ህዝቢ ምስ
ህዝቢ ንክጋጨ
ብምግባር ሓድነቱ ንክልሕልሕን
አንፃር አማሓደርቱ ንከይለዓል
ምድኻምን፣ መንግስታዊ አገልግሎት
(ከም ሴፍቲኔት
ዝአመሰሉ) ከም መሳርሒ
ብምጥቃም ህዝቢ ሕቶ
ከተማነት ንኽገድፍ ምፍርራሕን
ምሽባርን ወዘተ ይርከብዎም።
እዚ ኩሉ
ተንኮል ፍሒሶም ምስ
ዘይሳኸዐሎም ድማ ነቲ
ምንቅስቃስ ዝመርሑ መናእሰይ
ተምሃሮን ዓበይቲ ዓድን
ምእሳርን ምግራፍን፣ ከም’ኡ እውን
‘ህዝቢ አእሚና
ኢና’፤
ናይ ከተማነት
ሕቶ ናይ
ውሑዳት ተቃወምቲ እምበር
ናይ ህዝቢ
ከም ዘይኮነ
ናይ ሓሶት
ገመድ እናፋሓሱ
ብምዝርጋሕን ትኽክለኛ ሕቶ
ህዝቢ ንምዕፋንን
ለይትን ቀትርን ላሕ
ይብሉ አለው።
እዚ ናይ
ተንኮል ገመድ ብሓይሊ
ሕብረትና ክብጠስ እዩ።
ምክንያቱ ምምሕዳር እቲ
ወረዳ ህዝቢ
ሓውዜን ደረጃ ከተማነት
ከም ዘይግበኣ
ከእምን አይኽእልን። ህዝቢ
ናይ ከተማ
ዕብየት ክፀልዕ አይኽእልን።
ህዝቢ ከመይ
ገይሮም ከእምኑ ይኽእሉ?
ዘይመስል እዩ።
እኳደኣስ መራሕቲ ህወሓት
ነቶም አማሓደርቲ
አብ ቀረባ
ግዜ ክቅይርዎም
ይኽእሉ፤ ሕቶ ህዝቢ
ሓውዜን ዝተመለሰ ንክመስል።
ብዚ መሰረት
እቲ ሕቶ
ምድብስባስ ይኽእሉ ይኾኑ።
እንተ ንሕና
ግን ግቡእ
መልሲ ክሳብ
እንረክብ ሕቶና ክንቅፅል
ኢና።
ነቶም ምእንቲ
ዓዶም ኢሎም
ናይ ማእስርትን
መግረፍትን መስዋእቲ ዝኸፍሉ
ዘለው ወገናትና
ግቡእ ድጋፍ
ንምሃብ ቃል ንኣቱ።
መንገድና ሰለማዊ እዩ፤
ሕቶና ልምዓታዊ
እዩ።
ዕዉት ህዝባዊ
ዋዕላ ንኽኾነልና
ይምነ።
It
is so!!!
zehabesha
No comments:
Post a Comment